ናብ ቀንዲ ትሕዝቶ ዘልል ናብ docs navigation ዘልል
Check
in English

ምልክታት

መምርሕን ሓሳባትን ንኣጠቓቕማ ናይ ደገ ምልክት ቤተ-መጻሕፍቲ ምስ ቡትስትራፕ።

ቡትስትራፕ ብነባሪ ስርዓት ምልክት ዘየጠቓልል እኳ እንተኾነ፡ ቡትስትራፕ ምልክታት ዝበሃል ናይ ገዛእ ርእስና ኩለመዳያዊ ናይ ምልክት ቤተ-መጻሕፍቲ ኣለና። ንዓኣቶም ወይ ካልእ ኣብ ፕሮጀክትካ ዝተቐመጠ ምልክት ክትጥቀመሎም ናጻ ትኸውን። ዝርዝር ናይ Bootstrap Iconsን ካልኦት ተመራጺ ስብስባት ምልክታትን ኣብ ታሕቲ ኣካቲትናዮም ኣለና።

መብዛሕትኦም ስብስባት ምልክታት ብዙሓት ቅርጺ ፋይል ዘጠቓልሉ እኳ እንተኾኑ፡ ንሕና ግን ንዝተመሓየሸ ተበጻሕነቶምን ደገፎም ቬክተርን SVG ኣተገባብርኦም ንመርጽ።

ቡትስትራፕ ምልክታት

Bootstrap Icons ብ @mdo ዝተነድፈን ብ Bootstrap Team ዝሕሎን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቤተ መጻሕፍቲ ናይ SVG ምልክታት እዩ ። መጀመርታ ናይዚ ምልክት ስብስብ ካብቶም ናይ ቡትስትራፕ ኣዝዮም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣካላት ዝመጸ እዩ- ቅጥዕታትና፡ ካሮዘላትናን ካልእን። ቡትስትራፕ ካብ ሳንዱቕ ወጻኢ ኣዝዩ ውሑድ ናይ ምልክት ድሌታት ስለዘለዎ ብዙሕ ኣየድልየናን ነይሩ። እንተኾነ ግን ሓንሳብ ምስ ጀመርና ካብዚ ንላዕሊ ምፍራይ ደው ክንብል ኣይከኣልናን።

ኣየ፡ ከምኡ ውን ምሉእ ብምሉእ ክፉት ምንጪ ምዃኖም ዲና ጠቒስናዮ? ኣብ ትሕቲ MIT ፍቓድ ዝረኸበ ልክዕ ከም Bootstrap፡ ናትና ናይ ምልክታት ስብስብ ንኹሉ ሰብ ይርከብ።

ብዛዕባ Bootstrap Icons ዝያዳ ፍለጡ ፣ ከመይ ጌርካ ትተኽሎምን ዝምከር ኣጠቓቕማን ሓዊስካ።

ኣማራጺታት

ነዞም ናይ ምልክታት ስብስባት ባዕልና ከም ተመራጺ ኣማራጺታት ናይ Bootstrap Icons ፈቲንናዮምን ተጠቒምናዮምን ኣለና።

ተወሳኺ ኣማራጺታት

እዚኦም ባዕልና እኳ እንተዘይፈተንናዮም፡ ተስፋ ዝህቡ ይመስሉን SVG ሓዊሱ ብዙሕ ቅርጽታት ዝህቡን እዮም።